エピソード

  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 ሓምለ 2025)
    2025/07/24
    ኣርእስታት ዜና፥ ናይ ሰልፊ ግሪንስ ስሰነተር መህረን ፋሩቂ ፡ ኣብ ባይቶ ኣብ ልዕሊኣ ዝተወስደ ኩነኔ ብዝምልከት ንሰልፊ ለበርን ጥምረትን ፡ ኣብ ግጉይ ሸነኽ ናይ ታሪኽ ከም ዘለዉ ከሲሳ ። ኢማራት ኣብ ሱዳንን ከባቢኡን ትገብሮ ዘላ ከም ሃገር ዝውክል ዘይኮነ፡ ብድሕሪት ናይ ካልኦት ተልእኾ ከምዘለዎ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ገሊጹ። ኣብ ግጥማት ዩሮ 2025 ተጻዋቲት ኲዕሶ እግሪ እንግሊዝ ጀስ ካርተር ፡ ጋንታኣ ንኢጣልያ 2ብ1 ኣብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ጀነቫ ድሕሪ ምስዓራ ፡ ብዛዕባ ብ ኦንላይን ዝወረዳ ዓሌታዊ ማህሰይቲ ስምዒታ ገሊጻ ።
    続きを読む 一部表示
    8 分
  • ቃለ መሕትት ፕረሲደንት ኢሳያስን ካልኦት ጸብጻባትን፡
    2025/07/24
    ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ዘተኰረ ካልኣይን መወዳእታን ክፋል ቃለ-መሕትት፡ ንማዕከናት ዜና ሃገሩ ሂቡ። ምፍራስ ናይቲ ኣብ ደቡብ ትግራይ ዝነበረ ምምሕዳር ተቓውሞ ገጢምዎ። ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ኣሜሪካን ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያን ተመያዪጦም።
    続きを読む 一部表示
    12 分
  • ምክልኻል ሕማም ምርሳዕ (DEMENTIA PREVENTION)
    2025/07/23
    ሓደ ፍሉጥ ተመራማሪ ስነ ፍልጠት ፡ ሕማም ምርሳዕ ዲመንሺያ ከም ቊጠባዊ ቅልውላውን ከም ጕዳይ ጥዕናን ክጥመት ከምዝግብኦ ገሊጹ። ልዕሊ 400,000 ኣውስትራሊያዊያን ምስ ሕማም ምርሳዕ ይነብሩ ፡ ብዝሒ ናይቶም ኣብ እርጋን ዝርከብ ህዝቢ በዚ ሕማም ዝጥቃዕ ድማ ኣብ 2050 ብዕጽፊ ክዓቢ እዩ ። እንተኾነ ተጣበቕቲ ሕማም ምርሳዕ ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ምርምር እኹል ምወላ ስለዘየለ ነዚ ንምፍዋስ ድሕሪት ተሪፉ እዩ ይብሉ ፡ እዚ ነቲ ኣብ ሂወት ለውጢ ዘምጽእ ናይ ምርሳዕ መስርሕ ናይ ምክልኻልን ናይ ምሕደራ ፕሮግራማት ጸልይዎ ይርከብ ።
    続きを読む 一部表示
    9 分
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ሓምለ 2025)
    2025/07/23
    ** ዕዳ ተመሃሮ ዘጉድል ሕጊ ንምትእትታው ዝምልከት ቀዳማይ ኣጀንዳ መበል 48 ኣኼባ ፓርላማ ምዃኑ ተፈሊጡ... ** ምምሕዳር ትራምፕ ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ መወዳእታ ናይ ዝመጽእ ዓመት ካብ ዩኔስኮ ኸውጽኣ እዩ ... ** ኣብ ደቡብ ትግራይ፡ ምልውዋጥ ኣመሓደርቲ ንምትግባር ኣካላት ጸጥታ ከምዝተላእኩ ፕረሲደንት ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ሓቢሩ።
    続きを読む 一部表示
    5 分
  • #91 Asking for a job reference (Adv) - #91 ምሕታት ናይ ስራሕ ምስክርነት (reference)፡ ምምሃር ቋንቋ እንግሊዝ ምስ ኤስ ቢ ኤስ
    2025/07/23
    Learn polite ways to request a job reference from managers or colleagues. - ካብ ማናጀራት ወይ መሳርሕቲ ብምቕሉል ኣገባብ ከመይ ኢልካ መወከሲ ወይ ምስክርነት ስራሕ ከም ትሓቱ ንመሃር፡
    続きを読む 一部表示
    16 分
  • Australia’s Indigenous education gap and the way forward - ምዕጻው እቲ ጋግ፡ ኣጠማምታ ደቀባት ብዛዕባ ትምህርትን ለውጢን፡
    2025/07/22
    Education is a pathway to opportunity, but for too long, Indigenous students in Australia have faced barriers to success. While challenges remain, positive change is happening. In this episode we’ll hear from Indigenous education experts and students about what’s working, why cultural education matters and how Indigenous and Western knowledge can come together to benefit all students. - ትምህርቲ ናብ ዕድል ዝወስድ መንገዲ እዩ ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ኣውስትራሊያ ዝነብሩ ክብ ደቀባት ዝኾኑ ተመሃሮ ንኽዕወቱ ዕንቅፋት የጋጥሞም እዩ ። ብድሆታት እኳ እንተ ሃለወ ፡ ኣወንታዊ ለውጢ ግን ይር አ ኣሎ ። ብዙሓት ተመሃሮ ደቀ'ባት ትምህርቶም ይዛዝሙ ኣለዉ ፡ ዩኒቨርሲቲታት ንፍልጠት ቀዳሞት ህዝብታት ይቕበላኦ ኣለዋ ፡ ብማሕበረሰብ ዝምርሑ ፕሮግራማት ድማ ናይ ሓቂ ለውጢ የምጽኡ ኣለዉ ። ኣብዚ ትሕዝቶ እዚ ፡ ብዛዕባ እንታይ ይሰርሕ ከም ዘሎ ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ባህላዊ ትምህርቲ ፡ ብዛዕባ ደወባታውን ምዕራባውን ፍልጠት ከመይ ጌርካ ንዅሎም ተመሃሮ ከም ዝኸውን ምግባር ፡ ዝምልከት ካብ ክኢላታት ደቀባትን ተመሃሮን ክንሰምዕ ኢና ።
    続きを読む 一部表示
    9 分
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ሓምለ 2025)
    2025/07/22
    ** እስራኤል ኣብ ቓዛ ተካይዶ ዘላ ዉግእ ብቕጽበት ደው ከተብሎ ኣውስትራሊያ ትርከበን 25 ሃገራት ናይ ሓባር ስምምዕ ክፍርማ... ** ዩክሬንን ራሻን ኣብዚ ሰሙን ሓድሽ ስምምዕ ሰላም ክዘራረባ እየን ተባሂሉ... **ኣብ ደቡባዊ ክፋላት ኣውስትራልያ ንዚነብሩ ሰባት ብርቱዕን ጐዳእን ንፋስ ክህሉ ትጽቢት ክገብሩ ቤት ጽሕፈት ሜትሮሎጂ ኣጠንቂቑ ።
    続きを読む 一部表示
    4 分
  • What is a Justice of the Peace? When do you need one? - ጃስቲስ ኦፍ ፒዪስ (ጂፕስ) እንታይ እዩ?
    2025/07/21
    At some stage you will probably need help from a Justice of the Peace. It may be to prove your identity, to make an insurance claim or to certify copies of your legal documents in your language. JPs are trained volunteers who play a crucial role in the community by helping maintain the integrity of our legal system. So what exactly does a JP do and where can we find one when we need their services? - ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ትነብርሉ ኣብ ገለ እዋን ንናይ ሰላም ፍትሒ ወይ ናይ Justice of the Peace (JPs)ሓገዝ የድልየካ ይኸውን ። ምናልባት ካብ መድሕን/ኢንሹራንስ ካሕሳ ኣብ ትሓተሉ ፡ ክትምርዖ ወይ ክትፋታሕ ፡ ወይ ከኣ ሕጋዊ ሰነዳትካ ብቛንቛኻ ኸተረጋግጽ ትኽእል ኣብ ትደልየሉ ካብዚ ኣገልግሎት ትሓትት ኢኻ። ኣብ JPs ዝዋስኡ፡ ዝሰልጠኑ ወለንተኛታት ኮይኖም ነቲ ስርዓተ ሕጊ ኣውስትራሊኣ ኣገዳሲ ናይ ወረቐት ጉዳያት ን ሰባት ዝሕግዙ እዮም ። ኣብ መላእ እዛ ሃገር ኣብ ዝርከብ ማሕበረ ሰብ ከኣ ዓብዪ ግደ ኣለዎም ። ኣብዚ ትሕዝቶ እዚ ፡ ጂ.ፒ. ኣብ ኣውስትራሊያ ዝገብሮን ፡ ኣገልግሎቶም ኣብ ዘድልየኻ እዋን ከመይ ጌርካ ከም እትረኽቦን ከነብርሆ ኢና ።
    続きを読む 一部表示
    9 分